👫 "መታዓቢተይ✍️Kebi Rasta"
# ኣብቲ ናይ ጀጋኑ መታዓቢት፡ ናይ ቀደም ብሮንዝ ስቱትዩ፡
# ብጽንዓትን ክብርን ተሰንዩ፡ ዝሓለፈ ግዜ ጀጋኑና።
# ርግብታት ተቐመጣ፡ ኣብ ርእሲኦም ሰላም ይንገሩ፡
# ንመጻኢ ሕይወት፡ ተስፋ ነሊምና።
# ናእሽቱ ኴንና፡ ሓደ ልቢ ነይሩና፡
# ዓለም ከምዚኣ፡ ኣይመሰለትን ነይራ።
# መታዓቢተይ ናፊቀኩም ኣነ፣
# ትዝታ ጀጋኑና፡ ኣብ ልበይ ሰፊነ።
# ዓለም ፋሕ ኣቢላና፡ በብወገንና፣
# ግን ኣይጠፈአን፡ እቲ ጽቡቕ መንፈስና።
# መታዓቢተይ... መሓዙት ጀጋኑና፣
# ክንራኸብ ድዩ፡ እቲ ናይ ቀደም ትምኒተይ?
# በብወገንና፡ ሕይወት ተበቲኑ፡
# ስደት ወይ ስራሕ፡ መገዲ ቀይኑ።
# ስእልኹም ጥራይ እዩ፡ ኣብ ብሮንዝ ዝተረፈ፡
# ትዝታኹም ግን፡ ካብ ልበይ ዘይሓለፈ።
# ገለኹም ርሒቕኩም፡ ገለኹም ቀሪብኩም፡
# ኣብ ኩሉ ዓለማት፡ ስደት ተወዚዕኩም።
# ትዝ ይብለኒ... እቲ ጽንዓትኩም፣
# ትዝ ይብለኒ... እቲ ፍቕርና።
# ዝኾነ እንተመጸ፡ ዝኾነ እንተኾነ፡
# ንጀጋኑና እያ፡ ንልብና ዘሕበነ።
# ናፊቀኩም ኣለኹ... (ብጾተይ)
# ክንራኸብ ኢና... (ሓደ መዓልቲ)
# መታዓቢተይ... መታዓቢተይ...
# (ብፍላይ ሳሓቅ)ጫወታኩም ናፊቀዮ ኣነ።